Stop Festival Eritrese Dictatuur in Event Plaza Rijswijk

Never Kneel Down for the Dictator

/ #49 Welcome and thank you for your signatures

2013-07-18 17:23

Two days to go! If you care about your people, about your nation and about the countless prisoners of conscience, please join us and be the voice of the voiceless
Two days to go!

ንህግደፍ ኣብ “ፈስቲቫላት” ካብ ምምላኽ፡ ንሓቕን ፍትሕን ጠጠው በሉ

ስልጣን ህግደፍ ነቲ ዘስካሕክሕ ፉንፉን ተግባራቱ ንክሽፍን ዐመት ዐመት “ፈስቲቫላት” እናበለ ዳንኬራታት ካብ ምትካል ኣቛሪጹ ኣይፈልጥን። ዓሚ ክትግበር ዝተባህለ ናይ ካሕዳ-ፈስቲቫል ብደለይቲ ፍትሒ ፈሺላ ተሪፋ።
ካብታ መዐልቲ እቲኣ፡ ህግደፋውያንን ቖንስሎምን፡ ከም ሰረቕቲ እናተሓብኡን፡ እናለመኑንን እናኣማኻነዩን፡ ኣብ ቀርቃራት ገዛዉቲ ኣኼባታትን፡ ፈኸራታትን ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው። ኣብቲ ናይ ዓሚ ፈስቲቫሎም ከም “ጅግና” ኢሎም ተኾልኪሎሞ ዝነበሩ፡ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፡ እቲ ፈስቲቫል ብምፍሻሉ፡ ርእሱ ነቕኒቑ፡ ህግደፍ ናይ ጨኮንቲ ጉጅለ እምበር ናይ ህዝቢ ከምዘይምዃኑ ተረዲኡ፡ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።
ከም ኩሉ ዝፈልጦ፡ ዐብደላ ጃብር ኣብ ጥሪ ናይ’ዛ ዐመት ምስ ካልኦት ሰበስልጣናት ህግደፍ ተኣሲሩ፡ ድሃዩ የለን። እቶም ትማል ትማል ጅግና እናበሉ ጥቕኡ ኮይኖም ክስዕስዑን ምስኡ ክስኣሉን ዝደፋፍኡ ዝነበሩ ህግደፋውያን፡ ክመዘይፈልጥዎ ኣስቒጦም ይርከቡ። ይትረፍዶ ኣበይ ኣሎ፧ ሰለምንታይ ተኣሲሩ፧ መዐስ’ዩ ኸ ዝፍረድ፧ ኢሎም ክሓቱስ፡ ሽሙ ከማን ከልዕልዋ ኣይደፍሩን። ዘሕዝን እዩ። እቶም ጌና “ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና” እናበሉ ንሓደ ውልቐመላኺ ዳንኬራ ዝወቕዑ ዘለው ህግደፋውያን፤ ጽባሕ ንግሆ ከምታ ከምታ ንዐብደላ ጃብርን ንሙስጣፋ ኑሩሕስየንን -ቅድሚኦም ከኣ ንቡዙሓት ካልኦት- ወሪዳቶም ዘላ፡ ከይትወርዶም ዝከላኸለሎም ሕጊ የለን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ዋኒን ናይ ሓደ መላኽን ኣገልገልቱን እዩ። ንሱ ከም ባህ ዝበሎ ሰብ ይኣስር፡ ሰብ ይፈትሕ፡ ሰብ የደስክል፡ ሰብ የምክኽ።

እዚ ኣይኮነን ኢዱ
እቲ ንመዋእል ዝተቓለሰን፡ ዝሰንከለን ዝተሰወአን ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኣይኮነን ኢዱ።
ንልዑላውነት ሃገርን ንጎደሎ ዘይብሉ ነጻነትን ሓርነትን ኤርትራውያን እዩ ነሩ እቲ ቃልሲ።
ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍን ንህግደፋውያንን ኢሉ ጥራሕ ኣይኮነን ተቃሊሱ።

ሎሚ ግን ካብ ናይ ኤርትራዊ ዘግነት፡ ኣባል ህግደፍ ምዃን እቲ ዝበለጸ ብልጫ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ኣባል ህግደፍ እንተኾይንካ፡ ልዕሊ ኤርትራውያን ኢኻ። ካብ ንህግደፍ ምውቓስ፡ ንኤርትራ ምጽራፍ ይቕልል። ካብ ንሓደ ውልቐ-መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቒ ምውቓስ፡ ንኣምላኽ ምጽራፍ ይቐልል።

ከምኡ እንተዘይከውን፡ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖት መራሕትናን ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርቲ ህግደፍ፡ ብዘይ ሓደ ፍርዲ፡ ብዘይ ሓደ መሰል ናይ “ርእስኻ ምክልኻል”፡ ከም እንስሳ ተኣሲሮም ኣይምተሳቐዩን ኣይምሞቱን።

እቶም ዝላዐሉ መራሒ ናይ ተዋሃዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ብ2005/6 ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ይርከቡ ኣለው። ብዕድመ ዝደፍኡ (86) ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም መራሒ ሃይማኖት እዮም። እንታይ ስለዝበደሉ፡ ህግደፍ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱዎም፧ ስለምንታይ’ከ ኣብ ቤትማእሰርቲ ይርከቡ ኣለው፧ ሳይካትሪስት ዶር. ፍጹም ገብረንጉስ፡ ፍትው ሓኪምን ካህን ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እዩ ነሩ።
ምስ ካልኦት ካህናትን ምሁራትን ካብ ዝእሰር እነሆ ዐሰርተ ዐመት ክቐርብ እዩ። ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጡ፣ ምብጻሕ ኣይፍቐደሎም፣ ጠበቓ ክገብሩ ኣይፍቐደሎም፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ መሰል የብሎም። ብርኽቲ በዐልቲ ቤቱ ንዶር. ፍጹም፡ ኣልማዝ ገለ ሰለስተ ሰሙን እገብር ብጓህን ሕማምን ኣብ ስዊድን ዓሪፋ፡ ኣብ ኤርትራ ሓመድ-ድበ ለቢሳ። ሓደ ንእሽቶይ ውላድ ኣለዎም። ዶር. ፍጹም ነታ ዝፈትዋ በዐልቲ ቤቱን ኣደ ወዱን፡ ሓመድ-ድበ ከልብሳ፡ ነቲ ሕጻን ኮሎ ዝሓቖፎ ወዱ ንኸጻናንዕ ከማን ኣይተፈቕደሉን። ፓስቶር ተወልደ ሃይሎም ዝተባህለ ፍትው ናይ ኣምላኽ ሰብ ካንሰር ሓሚሙ እንከሎ ካብ 2008 ገዙ ናይ ገዛ እስረኛ ኮይኑ ክሕሎ ጸኒሑ፣ ከቢድ ሕማም ሓሚሙ ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝህብዎም ሻህን ባንን ይህብዎ ነሮም፡ ዝሓለፈ ሰሙና ዓሪፉ። እዚ ንምሳሌ እዩ እምበር ዝርዝር እሱራትን፡ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራንሲ ዘርዚርካ ኣይውዳእን እዩ። እቲ ኣብ ፈቐዶ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ሲና ዝሳቐን፡ ዝቕጥቐጥን ዝሕረድን ዘሎ ህዝብና፡ ጥጡሕ ሃገር እንተዝነብሮ፡ ናብ ስደት ኣይመምርሐን።
ናይ በዐል ነብሰሄር ዶር. ጥሃ መሓመድ ኑር (ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን) ስቅያትን ኣማውታን ኣብ እስር-ቤት ህግደፍ፡ ናይ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይረሰዖን።

ኣብ ክንዲ መልሲ ንሕቶታት ህዝቢ፡ ዳንኬራን ሓሶትን ኣብ ናይ ክሕደት ፈስቲቫላት
ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማሕበራት መሰል ወዲሰብ ኣብ ኤርትራ መሰል ወድሰብ ዝበሃል ከምዘየሎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ቤትማእሰርቲ-ህግደፍ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዘይ ሕግድን ፍርድን ይሳቐዩ ከምዘለው ብቐጻሊ ይሕብራ ኣለዋ። እዚ ሓቒ እዚ ከኣ ካብ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ነቶም ደገፍቲ ህግደፍን፡ ውሉፋት ናይ ክሕደት ፈስቲቫላትን፡ ምስ እትሓቶም፡ ብተደጋጋሚ ከምዚ ኢሉም እዮም ዝምልሱ፡ “እወ ንፈልጦ እኮ ኢና፡ ኣብቲ ናይ “ፈስቲቫላት” እውን ነቶም ዝመጹ ናይ ህግደፍ መራሕቲ፡ ከም በዐል የማነ ገብረኣብ (ማንኪ), ሓጎስ ገብረሒወት (ክሻ)፡ ከም በዐል ኦስማን ሳልሕ፡ ከም በዐል ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ፡ ከም በዐል ዘምሕረት ዮሃንስ፡ እቲ ናይ ሕዝቢ ሕቶታት ይቐርበሎም እዩ”

ማለቶም፡ “ንሕና እውን እኮ እዚ ሕቶታት ትሓትዎ፡ ንሓቶ ኢና” እዩ።

ግርም ምሕታትኩም። ግን እቲ ቐንዲ ነገር እዚ እዩ፤ ድሕሪ 13 ዐመት፡ ድሕሪ 15 ዐመት፡ ድሕሪ 22 ዐመትሲ፡ ነቲ ሕቶኹም መልሲ ተዋሂብዎ’ዶ፧ መፍትሒ’ኸ ተጌሩሉ’ዶ፧ መልሲ ኣይተዋህቦን፡ መፍትሒ ኸኣ ኣይተገብረሉን።
“እወ፡ ብግዚኡ ናብ ፍርዲ ከነቕርቦም ኢና”፤ “ቅዋም ብእዋኑ ከነተግብሮ ኢና”፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ቕጥዒ ክንገብረሉ ኢና”፤ “ነተን ናይ ነጻ-ጋዜጣታት ነቲ ጉዳይ ኣጽኒዕና፡ መሊሰን ስርሐን ክጅምራ እየን” እናበልካ ዝበለየ መልሲ ምድግጋም ይኣክል።

ኩሎም ናይ ሕልናን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ብዘይ ውዕልሕድር ይፈትሑ።

እቶም በደል ኣለዎም ዝበሃል፡ ናብ ርእሱ ዝኸኣለ ቤት-ፍርዲ ይቕረቡ።

መልሲ ክህቡን ንርእሶም ክከላኸሉን ዕድልን ጠበቓን ይገበረሎም።

ቕዋም ኤርትራ ብዘይ ውዕልሕድር ይተግበር።

ብዘይ ኢድ ምትእትታው ንህዝቢ ዝሕብር ናይ ዜና ማዕኸን ይከፈት።

ናይ መንእሰያትናን ህዝብና ንስደትን ንመከራን ምውሓዝ ጠጠው ይበል።

እዚአን ሕድሪ ስውኣትናን ህዝብናን እየን። ነዚ ምባል ገበን ኣይኮነን። ህዝቢኻ እናተሳቐየ ዳንኬራ ተኺልካ ስቕያት ህዝብኻ ምኽሓድ ግን ገበን እዩ። ኩሉኹም ናብ ፌስቲቫል ክትኸዱ ተበጊስኩም ዘለኹም፡ ንዑ ብኽብረትኩም ሕሊናኹም ፈትሹ። ሓቒ ተዛረቡ፡ ንሓቒ ኸኣ ተዐጠቑ። ናብ ፌስትቫል ናይ ህግደፍን ክሕደትን ኣይትኺዱ። ናብቶም ንፍትሕን ሓቕን ዝቃለሱ ዘለው ኣሕዋትኩም ተጸንበሩ። ስውኣት ኤርትራ ንሓድሽ መግዛእቲ ኣይኮኑን ተሰዊኦም። ንፍትሕን ሓቕን ነጻነትን ክብርን እዮም ተሰዊኦም።
ሕጂ እውን ኤርትራን ህዝባን ነዚ ብህግደፍ ወሪድዎም ዘሎ ስቕያት ረጊጾም ክሓልፉ እዮም። መጻኢ ኤርትራን ህዝባን፡ ብፕሮፓጋንዳን ሓሶትን ህግደፍ ዘይኮነ ዝበለጸ ዝኸውን፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብሓቕን፡ ቕንዕናን ፍትሕን ምስ ዝመላለስ እዩ። ዝያዳ ኹሉ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕላውነት ሕጊ ሰፊኑ፡ ኤርትራውነት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኮነ ካልእ ሰልፊ ምስዚሰፍን እዩ። መግንስቲ ኢዱ ካብ ሃይማኖት ከውጽእ ኣለዎ። መሰል ርእይቶ ምእካብን ርእይቶ ምዝርጋሕን ከቢሩ፡ ህዝብና ካብ እታ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ፈቐዶ ስደት ዝውሕዘሉ ግዜ ጠጠው ኢሉ፡ ህዝብና ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ መገዲ ዘዳሉ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ። ህዝብና እዚ ኣይኮነን ኢዱ።

ናይ ኣኽብሮት ዕድመ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን መሓዙቶምን ኣንጻር ናይ ካሕዳ-ፈስቲቫል ኣብ ራይስቫይክ

ንቓወም! ንናይ ካሕዳ ፈስቲቫላትን ነቲ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ! ሎሚ ንሓውና ጽባሕ ናባና! ንፍትሒ ምቕላስ፡ ሕድሪ ስውኣትና ድኣ’ምበር ነውሪ ኣይኮነን። ክሓፍርን ክሕባእን ዘለዎ እቲ መሰል ወዲ-ሰብ ምግሃስ ኣመሉ ጌርዎ ዝርከብ
ስልጣን ህግደፍ እዩ።

መዐስ፧ ቀዳም ዕለት 20 ሓምለ (JULY) 2013
ሰዐት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡00 (ሰዐት ክልተ ድሕሪ ቐትሪ)
ኣበይ፧ ኣብ ፒራሚደፕላይን (piramideplein) ድሕሪ መዕርፎ ባቡር ራይስቫይክ (Rijswijk).

እዚ ራይስቫይክ ዝበሃል ቦታ ጥቓ ደን-ሃኽ ((The Hague) እዩ። ገለ ፍርቒ ሰዐት ካብ መዕርፎ ባቡር ናይ ደን-ሃኽ (The Hague) እዩ ዝወስድ።

Piramideplein, achter treinstation Rijswijk (vlakbij Den Haag) makkelijk bereikbaar
Piramideplein, 2283 CK Rijswijk, Nederland http://www.gosur.com/nl/point/2547741/

ብድሓን ምጹ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድን ከባቢኣን
ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝድለ ብቑጽሪ ተሌፎን 00 31 (0)6-84951313
ወይ ከኣ 00 31 (0)6-84857088 ብምድዋል ክትውከሱና ትኽእሉ።

Join us on Saturday, July 20, 2013, for demonstration against "PFDJ-festival of denial" in Rijswijk
All Eritreans who want change & justice in Eritrea are cordially invited for the demonstration against dictatorship and its planned “festival of denial”
in Rijswijk (near The Hague)
Let us stand up together against the gross human rights violations in Eritrea and against the “PFDJ-festivals of denial” in Rijswijk. We should neither hide ourselves or be ashamed of fighting for justice and rule of law in Eritrea. Fighting for justice and rule of law in Eritrea is the trusteeship of our martyrs and we should be proud of it. Those who should be embarrassed are the PFDJ-leaders and their supporters, who oppress the Eritrean people and organise “festivals of denial” to mute the cries of the oppressed, the prisoners and the destitute.

When? On Saturday, July 20, 2014
Time: On 14:00 hours (2PM) sharp!
Where? At Pirmaideplein (at the train station of Rijswijk, half an hour by train...
from Den Haag (The Hague)
Piramideplein, 2283 CK Rijswijk, Nederland
http://www.gosur.com/nl/point/2547741/

You all are most welcome!
Eritreans for justice and their friends.
For additional information you might call us on
00 31 (0)6-84951313 or 00 31 (0)6-84857088.